ብምትሕብባር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ራያን USAID/OTI ESP ን “ሃገር ቦቆል ኣማራፂታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት” ብዝብል ዛዕባ ምስ ቁልፊ መዳርግቲ ኣላላት ኮንፈረንስ ተኻይዱ።

ብምትሕብባር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ራያን USAID/OTI ESP ን “ሃገር ቦቆል ኣማራፅታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት” ብዝብል ዛዕባ ካብ ኣካላት ፍትሒ ክልል ትግራይ፣ ኣመራርሓ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ኣካላት ፍትሒ፣ ኣቦ ገረባት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መሁራን ሕግን ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ራያን ዝተወፃፅኡ ኣብ ከተማ ማይጨው ሎሚ 25/ነሓሰ 2016 ዓ/ም ኮንፈረንስ ተኻይዱ።
ቀንዲ ዕላማ እዚ ኮንፈረንስ ግንዛበ ሃገር ቦቆል ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ንምዕባይን ንዘጋጥሙ ፀገማት መፍትሒ ንምንዳይን ከምኡ እውን እዘን ትካላት ማእኸል መፅናዕትን ምርምርን ንምግባር እዩ።
መ/ር ህንፃ ገ/ገርግስ ዩኒቨርሲቲ ራያ ወኪሎም ኣብ ዝገበርዎ ናይ መኽፈቲ መደረ ኣብ መንጎ ሕ/ሰብ ንዝርአዩ ዘይምቅድዳውን ጎንፅታትን ሃገር ቦቆል ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ብምጥቃም ሰላማውን ሚዛናውን ብዝኾነ መንገዲ ንክፍትሑን ነዞም ትካላት ማእኸል መፅናዕትን ምርን ንምግባር ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ሓላፊ ጉዳያት ማሕበራዊ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ልበሎ ብግደኦም ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ፅቡቕ ዝምድና ንምፍጣር ኣብ ሃገር ቦቆል ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ትኹረት ገይርና ንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ሓላፊ USAID/OTI ESP ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመድህን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሃገር ቦቆል ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ብምጥንኻር ኣብ ሕ/ሰብ ዝርአዩ ዘይምቅድዳውን ጎንፅታትን ንምውጋድን ምዝባዕ ፍትሒ ብምቕራፍን ሕውየት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ተግባራዊ ስራሕቲ ንርከብ ኢሎም።
መምህርን በዓል ሙያ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ራያ ዝኾኑ መ/ር በርሀ ገሰሰ እንታይነት፣ ድሕረ ባይታ፣ ዓይነታት፣ ረብሓታት፣ ውፅኢታት፣ ዕንቅፋታትን መፍትሒታቶምን ሃገር ቦቆል ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ከምኡ እውን ፍትሐ-ብሔራውን ገበናውን ሕግታት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ቦቆል ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታትን ዳይነት ግልግልን ሙያዊ መብራህርሂ ሂቦም።
ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ራያ ዝኾኑ መ/ር በረከት ኣስመላሽ ዓለም ለኻዊ ኣማራፂቲታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ምንነት፣ ዓይነታት፣ ባህርያትን ብሉፃት ተሞክሮታትን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ዳይነት ግልግል ብዝምልከት ሰፊሕ መብራህርሂ ሂቦም።
ዲን ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ራያ መ/ር መሓመድ ባዩ ኣብ ሃገር ቦቆል ኣማራፂታት ኣፈታትሓ ጎንፅታት መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ ሙያዊ መብራህርሂ ኣብዞም ትካላት ዝተፈላለዩ መፅናዕትን ምርምርን ዝተኻየዱ ኾይኖም ናይ ሓሳብን ግብርን ለውጢ ግን ኣየምፅኡን ብምባል ንቐፃሊ ግን እዞም ትካላት ማእኸል መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን መስሕብ ቱሪዝም ንምግባር ተግባራዊ መፍትሒ ከምዝውሰድ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ብሉፃት ተሞክሮታት፣ ዘጋጥሙ ፀገማትን መፍትሒታቶምን ሃገር ቦቆል ኣማራፂታት ኣተኣላልያ ጎንፅታት ምስ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ተዘትዩ።
*************************************
ዩኒቨርሲቲ ራያ
25 ነሓሰ /2016 ዓ/ም
ፍልጠት ንማሕበረሰባዊ ለውጢ!!!
ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኻዊ ርክባትን
*********************************************