ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝስርሑ ናይ ልምዓት ዕማማት ንምስላጥ ምስ ኣመራርሓን ተወከልቲ ማሕበረሰብን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ምይይጥ ተኻይዱ።

ልምዓታዊ ስራሕቲ፣ ሕርሻ፣ ምርባሕን ምህጣርን እንስሳን ስራሕቲ መስኖን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ምጥንኻርን ብምርምር ብምድጋፍን መናእሰይ ካብ ስደትን መከራን ወፂኦም ንባዕሎምን ሃገሮምን ዝጠቕሙሉ ዕድል ንምፍጣር ትኹረት ዝገበረ ናይ ምይይጥ መድረኽ ምስ ኣመራርሓን ተወከልቲ ማሕበረሰብን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጥሪ 21/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መኾኒ ሜዳ ራያ ሆቴል ምይይጥ ተኻይዱ።
ኣብቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ዝተረኸቡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ራያ ኣካዳሚክ፣ ምርምር፣ ስግግር ቴክኖሎጂን ማሕበረሰብ ኣገልግሎትን ምክትል ፕረዚዳንት ዶ/ር ነጋ ዓፈራ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም እዮም።
ናብቲ ምይይጥ መበገሲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ዶ/ር ነጋ ዓፈራ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን መንቀልታት፣ ሳዕቤናትን መፍትሕታትን ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ሰፊሕ መብራህርሂ ሂቦም እዮም።
ቀንዲ ዕላማ እዚ ምይይጥ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝርከቡ ፀጋታት ልምዓት ሕርሻን ዝስርሑ ናይ ልምዓት ስራሕትን ብምርምር ብምድጋፍ ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ኣብ ምውጋድ መፍትሕታት ንምምፃእ ዝዓለመ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዩኒቨርስቲ ራያ ኣብ ሕርሻን ሃፍቲ እንስሳን ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ ናይ ምርምርን ልምዓትን ስራሕትን ንምስታፍ ቃል ኣትዩ።
እዚ ዘተ ምስ ካልኦት ወረዳታት እውን ቀፃሊ ከም ዝኸዉን ካብቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
*******************
ፍልጠት ንማሕበረሰባዊ ለውጢ!!
ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኻዊ ርክባትን
********************
👇👇👇
ድሕረ ገፅ: www.rayu.edu.et